2021, Aktuelles, Aus aller Welt, dies&das, Kolumne, Sage & Schreibe Nr. 33

Was ich hier gefunden habe

von Sham Dawit, G1F

እቲ ልዕሊ ኩሉ አብ ህይወት ወድሰብ አገዳሲ ዝኾነ ነገር ¨ሓርነት¨ ¨ናጽነት¨ ምህላው አዩ። ኣብ ሃገርና ኤርትራ ካብታ ዝነኣሰት ክሳብ ዘዓበየት ነገር ዝደለናዮ ክንብልን ክንገብርን ኣይንኽእልን ኢና። ሓርነት ትበሃል ቃል ብቃል ደኣ እምበር ብግብሪ ክንነብራ ኣይንኽእልን ኢና። ንኣብነት፥ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮነ ኮለጃት ወይ ሞያ ፡ ዓይነት ስራሕ ብናጽነት ናይ ምምራጽ መሰል የብልናን። ኩሉ ብመንግስቲ እዩ ዝምደብ። መንግስቲ ኣብ ዘዳለወን ኮሌጃት (ዩኒቨርሲቲ ሓንቲ እያ ኔራ ንሳ ድማ ተዓጽያ) ብሕርሻ ትማሂረ ንበል። ኣብ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ መምህር ናይ ሕርሻ ምስ ዘድሊ፣ ናይ ሕርሻ መምህር ኬንካ ትምደብ። አበይ ክትሰርሕ ሙኻንካን መአስ ክትጅምር ከምዘለካን መልእኽትኢ ይመጸካ። ዓቕሚ ኮነ ድልየት ይሃልወካ ኣይሃልወካ ብዘየገድስ ምትግባር ጥራይ አዩ ዘለካ። ¨NO¨ ናይ ምባል መሰል የብልካን። ትርጉም ናጽነት ሓርነት ኣብ ኤርትራ ብቃል ደኣ እምበር ኣብ ባይታ ትርጉም የብላን። ኣብ ዛዕባ ፖለቲካ ክትዛረብ ኮነ ክትሓስብ መሰል ዝበሃል የለን። እታ ሓንቲ ዘላትካ መንግስቲ ዝበሎን ዝደሎዮን ምትግባር ጥራይ እዩ። ናይ ግሊ ኣብያተ ትምህርቲ ዓጽዮም። ጉዳይ ተመሃሮ ግን ወላሓንቲ ፍታሕ ኣይገበሩሉን። ምልማኖም ወይ ውን ዝኾነ ነገር ክትገብር ምፍታን ከምኡ ውን ምሕሳብ ወላ ሓንቲ ፍታሕ ኣየምጽእን፟ እዩ። በቲ ዝወሰድዎ ስጉሚቲ ውን ጣዕሳ ኮነ ይቕሬታ ኣይሓተቱን። ብሒም ንዝበሉ ወለዲ ከምኡ ውን ተማሃሮ ኣፎም ንኽዓጽዉ እንተ ዘይኮነ ግን ክቕጽዑ ሙዃኖም ይሕብርዎም።
ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ግን ኣነባብራን ኣከያይዳን ኣተሓሳስባን ህዝቢ፣ዝደለይዎ ክገብሩ ክዕዘብ ከለኹ ብልክዕ እታ ናጽነት ወይ ውን ሓርነት ትበሃል ቃል ብግብሪ ርኤያ። ኣነ ውን ከም ሰበይ ዝደለኹዎ ክገብርን ክዛረብን ክኢለ። ኣብዚ ካብ ቦታ ናብ ቦታ፣ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ክንቀሳቐስን ክገይሽን ሙሉእ መሰል ኣሎኒ። ሕጊ ሃገር ስዊዝ እንተ ኣኽቢርካ ወላ ሓንቲ ከምዘየጋጥመካ ኣረጋጊጸ (እየ)። ኣብዚ ህዝቢ ነጻ ናይ ምዝራብን ምትግባርን ሙሉእ መሰል ኣልዎም።
¨ህይወትካ ንበር ገዛእ ርእስካ ኩን! ምእንቲ እቲ ትደልዮ ውን ተቃለስ።¨ ነዚ ኣብ ስዊዝ ዘለካ መሰል ናጽነት ተጠቀመሉ። ኣብዚ ብናጽነት ካብ ዝነብር ኣትሒዘ፡ ዝነበረኒ ፖለቲካዊ ጸገም ኣብ ሃገረይ መጠን ክንደይ ከቢድ ምኻኑ (ምንባሩ) ኣስተብሂለ። ተባዕ ፖለቲከኛ ጓል ኣንስተይቲ ንክኸውን ዓቢ ድርኺት ፈጢሩለይ።
ኔልሶን ማንደላ ¨ጉዕዞ ናጽነት ንምኻድ ቀሊል ኣይኮነን¨ ኢሉ። ሓርነታዊ ናብራ ኣብ ሃገረና ምእንቲ ክጅምር፡ እቲ ዘሎ ኣጸጋሚ መንገዲ ድሕሪ ሓጺር እዋን ከብቅዕ ተስፋ ይገብር። ምኽያቱ፡ ናይ ውልቀ-መላኺ ስርዓተ ዓለምን ናይ ሓርነት ዓለምን ስለ ዝፈልጠን።


[Bild: www.steppestravel.com]